About TYA

Published: Thursday, 30 January 2020 Written by Super User

 

  • ኣመፃፅኣ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ እንትረአ ምስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኣሳሰር ኮይኑ
  • ንደርባዊ ወፅዓን ኣርዑት መግዛእትን ካብ ማእገር ህዝቢ ትግራይ ንምቕንጣጥ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ህዝባዊ ማዕበል ዝበቖለን ክልላዊ ቕርፂ ዘይሓዘ
  • ግን ድማ ክልላውን ሃገራውን ልኡኽ ተሓንጊጡ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ዝለዓለ ተራ ዝነበሮን እዚ ባህሪኡ እዚ ዓቂቡ ዝመፀን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ  ብስሩዕ ዝተጣየሸ ኮይኑ
  • ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ ምንቅስቃስ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ነቲ ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስን መንእሰይ ተሳታፍን ተጠቃምን ብምግባር
  • መንእሰይ ትግራይ ናብ ዘይዛሪ ምንቅስቃስ ልምዓትን ተቐፃፃሊ ዘኣተወ  ውዳበ ሓፋሽ እዩ።

  ከይዲ ጉዕዞ ማመት

  • ማ.መ.ት ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ዝተመስረተ ኮይኑ
  • ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ፀገማት መናእሰይ ንምቅላል ኢሉ እዉን ንምፍታሕን 1970/1971 ዓ/ም  ጀሚሩ ኣብ ጣብያታት ዝተጣየሸ እንትኾን
  • ቅድሚ ብክልል ብርኪ ብዕሊ ምጥያሹ  ብደረጃ ወረዳን ጣብያን እናተንቀሳቀሰ ዝፀንሐ ማሕበር እዩ፡፡
  • እቲ ብብርኪ ጣብያን ወረዳን ዝነበረ ኣወዳድባ ድሒሩ ክልል ለኸ ማሕበር ከም መሰጋገሪ ድልድል ኮይንዎ እዩ፡

ራእይ ልኡኽን ዕላማታትን ማሕበር መናእሰይ ትግራይ

 ራእይ

ትግራይ መፍረያይ፣ጥዕንኡ ዝተሓለወ፣ ዓርሰ እምነት ዘለዎ፣ ኩለመዳያዊ ዓቕሙ ዝተሃነፀነ መንእሰይ ወለዶ ተፈጢሩ ምርኣይ።

ልኡኽ፦

  • ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዝሰፈሩ ማሕበራዊ፣ፖለቲካውን ቁጠባዉን መሰላት መናእሰይ ክኽበሩ ብምግባር፣ብምምዕባል፣ንማሕበሩ ብምጥቃምን ክብሪ ብምሃብን ናብራ ኣባል ማሕበርና ምምሕያሽ።
  • ኣሳታፊ መርሃ-ግብሪ ልምዓት ብምኽታል ኩለመዳያዊ ተጠቃምነት መናእሰይ ምርግጋፅ፣ናይ ተቓላዓይነት ሓደጋ ምንካይ፣ጥዕናዊ ኩነታቱ ምምሕያሽን ስነልቦናውን ኣካላውን ድልየቱ ቀፃልነት ብዘለዎ ኣገባበ ክረዊ ምግባር።

ዕላማ

  • መናእሰይ ኣብ ልምዓት፣ህንፀት ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ንጡፍ ተረኦም ክፃወቱን ካፍቲ ልምዓት ደረጃ ብደረጃ ተጠቃምነቶም ክረጋገፅን ምግባር።
  • ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት መናእሰይ ምኽባርን መናእሰይ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምስፋን እጃሞም ክፃወቱ ምግባር።
  • ማሕበራዊ፣ቁጠባውን ስነ-ልቦናዉን ፀገማት መናእሰይ ክፍታሕ ምስራሕ
  • ሓድነት መናእሰይ ንምጥንኻርን ኣፈላላያትካ ብምክእኣልን ብምምይያጥን ምፍታሽ ንምኽምዕብል ምግባርን
  • መናእሰይ ብፅቡቕ ስነ-ምግባር ዝተሃነፁ ንኽኾኑ ልዑል ወነ ስራሕን ባህሊ ፈጠራን ምህዞን ንኸዕብዩ ምግባር።