About TYA
Published: Thursday, 30 January 2020
Written by Super User
- ኣመፃፅኣ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ እንትረአ ምስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኣሳሰር ኮይኑ
- ንደርባዊ ወፅዓን ኣርዑት መግዛእትን ካብ ማእገር ህዝቢ ትግራይ ንምቕንጣጥ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ህዝባዊ ማዕበል ዝበቖለን ክልላዊ ቕርፂ ዘይሓዘ
- ግን ድማ ክልላውን ሃገራውን ልኡኽ ተሓንጊጡ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ንምድምሳስ ዝለዓለ ተራ ዝነበሮን እዚ ባህሪኡ እዚ ዓቂቡ ዝመፀን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ ብስሩዕ ዝተጣየሸ ኮይኑ
- ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ ምንቅስቃስ ቅድመ ግንባር ኮይኑ ነቲ ዝሳለጥ ዘሎ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስን መንእሰይ ተሳታፍን ተጠቃምን ብምግባር
- መንእሰይ ትግራይ ናብ ዘይዛሪ ምንቅስቃስ ልምዓትን ተቐፃፃሊ ዘኣተወ ውዳበ ሓፋሽ እዩ።
ከይዲ ጉዕዞ ማመት
- ማ.መ.ት ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ዝተመስረተ ኮይኑ
- ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ፀገማት መናእሰይ ንምቅላል ኢሉ እዉን ንምፍታሕን 1970/1971 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ጣብያታት ዝተጣየሸ እንትኾን
- ቅድሚ ብክልል ብርኪ ብዕሊ ምጥያሹ ብደረጃ ወረዳን ጣብያን እናተንቀሳቀሰ ዝፀንሐ ማሕበር እዩ፡፡
- እቲ ብብርኪ ጣብያን ወረዳን ዝነበረ ኣወዳድባ ድሒሩ ክልል ለኸ ማሕበር ከም መሰጋገሪ ድልድል ኮይንዎ እዩ፡፡
ራእይ ፣ ልኡኽን ዕላማታትን ማሕበር መናእሰይ ትግራይ
ራእይ
ትግራይ መፍረያይ፣ጥዕንኡ ዝተሓለወ፣ ዓርሰ እምነት ዘለዎ፣ ኩለመዳያዊ ዓቕሙ ዝተሃነፀነ መንእሰይ ወለዶ ተፈጢሩ ምርኣይ።
ልኡኽ፦
- ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሃገርና ዝሰፈሩ ማሕበራዊ፣ፖለቲካውን ቁጠባዉን መሰላት መናእሰይ ክኽበሩ ብምግባር፣ብምምዕባል፣ንማሕበሩ ብምጥቃምን ክብሪ ብምሃብን ናብራ ኣባል ማሕበርና ምምሕያሽ።
- ኣሳታፊ መርሃ-ግብሪ ልምዓት ብምኽታል ኩለመዳያዊ ተጠቃምነት መናእሰይ ምርግጋፅ፣ናይ ተቓላዓይነት ሓደጋ ምንካይ፣ጥዕናዊ ኩነታቱ ምምሕያሽን ስነልቦናውን ኣካላውን ድልየቱ ቀፃልነት ብዘለዎ ኣገባበ ክረዊ ምግባር።
ዕላማ
- መናእሰይ ኣብ ልምዓት፣ህንፀት ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ንጡፍ ተረኦም ክፃወቱን ካፍቲ ልምዓት ደረጃ ብደረጃ ተጠቃምነቶም ክረጋገፅን ምግባር።
- ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት መናእሰይ ምኽባርን መናእሰይ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ምስፋን እጃሞም ክፃወቱ ምግባር።
- ማሕበራዊ፣ቁጠባውን ስነ-ልቦናዉን ፀገማት መናእሰይ ክፍታሕ ምስራሕ
- ሓድነት መናእሰይ ንምጥንኻርን ኣፈላላያትካ ብምክእኣልን ብምምይያጥን ምፍታሽ ንምኽምዕብል ምግባርን
- መናእሰይ ብፅቡቕ ስነ-ምግባር ዝተሃነፁ ንኽኾኑ ልዑል ወነ ስራሕን ባህሊ ፈጠራን ምህዞን ንኸዕብዩ ምግባር።